Sunday 5 August 2012

ካብ ወልፊ ሽጋራ ንኽትገላገል ዝጸዓረላ ዘሎ ህበይ

ቶሪ’፡ ኣብ ጃቫ - ኢንዶኔዥያ ኣብ ዝርከብ መካነ-እንስሳ ተወሊዳ ኣብኡ ዝዓበየት ጓል 15 ዓመት ህበይ እያ፣ እዛ ሰብ ዝገብሮ ዘበለ ነገር ካብ ምድጋም ድሕር ከምዘይትብል ብሓለውታ ዝንገረላ ህበይ፡ ካብ ጓል 10 ዓመት ኣትሒዛ’ያ ሽጋራ ከተትክኽ ጀሚራ፣ ነዚ ዝሰምዑ ሓያለ በጻሕቲ ድማ፡ በብዝመጽእዎ እልቢ ዘይብሉ ሽጋራ ክማልኡላ ስለ ዝጀመሩ፡ መዓልታዊ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ባኮ ሽጋራ ናይ ምትካኽ ወልፊ ኣማዕቢላ፣ ብኣንጻሩ፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት እቲ እትደልዮ ብዝሒ ሽጋራ ከይረኸበት ምስ ካብ ወልፊ ሽጋራ ንኽትገላገል ዝጸዓረላ ዘሎ ህበይ! እትውዕል፡ ምሒር ተንጸርጽርን ተዕገርግርን፣ ብሰንኪ ክቱር ወልፋ ኩነታት ጥዕናኣ ብርኡይ ከንቆልቁል ዝተዓዘቡ ሓለፍቲ’ቲ መካነ-እንስሳ ግን፡ ቶሪ ክሳብ እትመዉት ሱቕ ኢሎም ክዕዘብዋ ኣይመረጹን፣ ኣብ ክንዳኡስ ሽጋራ ክትረኽበሉ ናብ ዘይትኽእል ጽምው ስፍራ ኣእትዮም’ዮም ክቐጽዕዋ ወሲኖም፣ ነቲ ወልፊ ፈጺማ ምስ ረሳዓቶ ዳግም ናብቲ ዝነበረቶ ተመሊሳ ምስ ማሕበረ-ሰባ ክትጽንበር ምዃና ከኣ ይሕብሩ፣

ድምጻዊ’ ገብረ

‘ይብላዕ’ዩ’ ሰሚዑ ኣለዎ መኽሰብ
‘ላሎ..ላሎ…’ ኢልካስ ይርከብ’ዩ ገንዘብ
           ገብረ ደርፊ ፈቲኑ….......
           ብቑዕ ምዃኑ ንነብሱ ኣእሚኑ
ግጥሚ ሰዃኲዑ ዜማ ሰናኒዑ
ኣብ ሓደ ረፍዲ ደርፊ ኣጠጢዑ
          ናብ ስቱድዮ ከይዱ ነታ ደርፊ ሒዙ
          መሳጢት ገይሩዋ ብኮፒዩተር ተሓጊዙ
ሽዑ…
ሓድሽ ክዳን ገይሩ ኣብ ኣፍደገ ኩዋ
‘ኣይትጽርኒ’ ኢሉ ከተማ በጽቢጽዋ
          ዘይሓፍር ከኣ’ምበር መርዓ ከጻውት
          ውዕል ኣትዩልኩም ኣሚኑ ንካሴት
ብባንዲ ተዓጂቡ ከይዱ ናብቲ ውራይ
መድረኽ ምስ ደየበ ተቓሊዑ ጉዳይ
ካብ ቀዳማይ ከፊኡ ዳሕራይ
ሕምስምስ ኣቢሉ ጸይቕዋ ውራይ
ኣየ ገብረ…
           ስነ-ጥበብ መዓስ ፈሊጥዎ
           ድኻምን ጻዕርን ከም ዘለዎ
          ተዃሒለ ኢላ…” ነገሩ ገይርዎ
         ‘ድምጻዊ’ ገብረ