Thursday 6 October 2011

ዕላል ቀዳሞት

    ጽሑፍ ኣብ ዘይነበረሉ ዓንዲ-ማእከል ሓበሬታ እዩ ኔሩ። ታሪኽ የውርስ፣ ህሉው ኩነታት የረድእ፣ ክስተታት መጻኢ ይእንፍት። እቲ ምትሕልላፍ፣ ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ፣ ካብ ዓቢ ናብ ንእሽቶ፣ ካብ ዝፈለጠ ናብ ዘይፈለጠ፣ ወዘተ… እዩ። ገሊኦም ሕገ- ልቦና ይብልዎ፣ ገሊኦም ድማ ኣፈ-ታሪኽ ይብልዎ። ልሳን ህዝብን ኣፈ-መንግስትን እውን እዩ።ጽሑፍ ምስ ተማህዘ’ውን ኣገዳስነቱ ኣይሃሰሰን። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ ሓበሬታ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘመን’ውን መልክዑ ደኣ ቀዪሩ እምበር ክጠፍእ’ሲ ኣይከኣለን። ባህሊ ኣለዎ፣ ወግዒ ኣለዎ፣ ኣገባብ ከኣ ኣለዎ፣ ‘ዕላል ቀደም’ ፣ ‘ዕላል ሎሚ’ ኢልና እንተንፈላልዮ ምስ የማነ ባርያ ምቖዘምና፣ ‘’ ከም ሎሚ ከይኮነ ብማዕዶ ሰላምታ’’ ተኣኪብና ንምዕላል ዕድል ምስተሳእነ እዩ የማነ ባርያ ነዛ ደርፊ ሰሪሑዋ።ምዝራብ እምበር ምዕላል ቀሊል ከምዘይኮነ፣ ሓሲብናሉ ዶ ንፈልጥ? ኣብ መንጎ ምዝራብን ምዕላልን፣ ውሑድ ዝምድና እዩ ዘሎ። ከምቲ ኣብ መንጎ ምርኣይን ምስትብሃልን ዘሎ ፍልልይ ማለት’ዩ። ምዝራብ ምስማዕ እንተኾይኑ፣ ምዕላል ከኣ ምስትውዓል ይኸውን።‘’ኣዋህልል’’ ይብሉ ዓበይቲ፣ ‘ቅድሚ ምዝራብካ ስማዕ’ ማለቶም እዩ። ‘ህ’ በል ይብሉኻ፣ ዘረባኦም ንምጅማር ወይ ንምቕጻል። ከምዚ ናይ ሎሚ ግዜ ዘይበልካ እነኾንካ፣ ካብ ንምስማዕ ንምዝራብ ስለእትቕልጥፍ፣ኣይተቃልበሎምን። ሽዑ፣ ነቲ ታሪኽ ሒዞም ይቕበሩ። ክብርታት ባህሊ ምስኦም ይቕበር። ንስኻ ግን ሬሳ ጥራይ ዘፋነኻ እዩ ዝመስለካ።
   ‘ህ’ ምስተበሃልካ፣ ‘’ህ’’ንምባል እንተመሪጽካ ድን መሳኹቲ ኣእዛንካ ምስጢራት ንምቕባል ኣርሒኻ ኣለኻ ማለት’ዩ። ‘ሓደ እዋን፣ ሓደ ወረጃ ከምዝኸማኹም’ ኢሎም ይጅምሩልካ። ጽቡቕ ናይ ሰብ ክለዓል ከሎ፣ ብባህላዊ ኣዘራርባ ብናይ ሰማዒ እዩ ዝዝንቶ። ‘’ትሕሽዎ ደኣ!’’ ክትብል ኣለካ፣ ናእዳ ተቐቢልካ ምስቃጥ ግቡእ ስለዘይኮነ። እንካን -ሃባን ዝሕመረቱ ባህሊ ዕላል እዩ ዘለና።
ሕማቕ ናይ ሰብ ክለዓል ከሎ ድማ፣ ብባህላዊ ኣዘራርባ ብናይ ተዛራብ እዩ ዝዝንቶ። ‘እቲ ለባም ሰብኣይ፣ ከምዝኸማይ፣ ዘይስተውዕል ኣገልጋሊ ነበሮም’’ ይብሉኻ፣ ጭራኦም ነስ እናበሉ። ‘’ኣባይኩም፣ ኣባይኩም እባ ደኣ!’’ ክትብል ትጽቢት ይግበረልካ። ኣባይኩም ማለት፣ መጻርርትኹም፣ ጸላኢኹም ወዘተ ማለት እዩ። ‘ጸላኢኹም ይዓሹ እምበር፣ ንስኹምሲ ለባም ኢኹም’ ኢኻ ትብሎም ዘለኻ። ክብራን ተኸባቢራን። እዚ’ውን ባህሊ እዩ። ሓድሕድ ምክብባር ዝመሰረቱ፣ ባህሊ ዕላል። ሰማዒ ኩሉ ግዜ ኣብ ባህላዊ ዕላል ክቡር እዩ። ናቱ ጽልዋ እዩ ክሳብ ሎሚ ማዕከናት ዜናና፣ ‘ዝኸበርኩም ሰማዕትና’ ዝብላ። ዕድል እንተዝወሃበኩም ድማ -ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ- ከም እትብሉ ብህላዊ ኣተሓሳስባና ንጹር ይገብሮ።
ብዛዕባ ስነ-ሰብ ዘጽንዑ ሊዋውንቲ ከምዝብሎ፣ ወድ ሰብ ናይ ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ምዕላል፣ ባህርያዊ ትዕድልቲ ስለዘለዎ እዩ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፍለ። ምዕላል ክልተ መዳያዊ እዩ። ምስማዕን ምዝራብን። ምስማዕ፣ ንነገራት ክትርዳእ ምኽኣል ማለት ክኸውን እንከሎ፣ ምዝራብ ከኣ ንፍጻሜታት፣ ሓሳባት ወዘተ ከተዘንቱ ምኽኣል ማለት እዩ። ሰብ በዚ ባህርያዊ ትዕድልቱ ወትሩ ንዕላል እናናፈቐ እዩ ዝነብር። ‘ዕላልኪ ናፊቐዩ’ ድዩ ዝበለ ታረቀ ተስፋሂወት?!
ሰበይቲ፣ ናውቲ ቡን ቀራሪባ ንምእታ ሰብኣያ እተቋምተሉ፣ ኣብ መንገዲ ንዝረኸብካዮ ‘ሓደ-ሃደ’ ንበል እትብሎ፣ ምስ ኣፍቃሪትካ እትቋጸረሉ ምኽንያት፣ ወዘተ… ብቐንዱ ስለምንታይ እዩ ኢልና እተሓሲብና፣ ንእንታይነትን፣ ኣገዳስነት ላል’ዩ ኣጉሊሑ ዘርእየና። ኣብ ዕላል ኩሉ ክብርታት ሕብረተሰብ ተጠቕሊሉ ኣሎ። ሞራላዊ ወይ ስነ-ምግባራዊ ክብርታት፣ ዋና መተሓላለፊ መስመሩ፣ ዕላል እዩ። እቶም ብዙሕ ዘዕልሉ፣ ብዙሕ ይረዳድኡ፣ ብዙሕ ድማ ይፋቐሩ። ‘ሓባእ ቁሱሉ ሓባእ ፈውሱ’ ከምዝበሃል፣ ካብቲ ዘየዕልል፣ እቲ ዘዕልል እዩ ዝወሓደ ሽግር ዘለዎ። እታ ዘይተዕልል ስድራ፣ ንኽትበታተን ልዑል ተኽእሎ ኣለዋ፣ ድማ ይብሉ ናይ ስነ-ልቦና ኣማኸርቲ። ረብሓታት ዕላል ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።
     ንዕላል ከም ኣርእስቲ ኣልዒልካ፣ ንኣቶ ፍረ-ሓንስ ከይጠቐስካ ምሕላፍ፣ ዝከኣል ኣይመስልንን። ሹመኛ ምስ ኮኑ፣ ሹም ፍረ-ሓንስ ስለዝተባህሉ፣ ዝያዳ በዚ ስም እዚ እዮም ዝፍለጡ። ብዙሕ አረካብ ዘረባ ስለዝነበሮም ከኣ ነዚ ዓውዲ እቲ ኣብ ዝምልከት ኣብ ብዙሕ ተጠቒሶም ንረኽቦም።
ሹም ፍረ-ሓንስ ብዕራይ ሒዞም እናገሹ፣ ምድሪ ስለዝመሰዮም፣ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኣላጊሶም ይበሃል፣ ምስ ዕራዮም ስለዝኾኑ ድማ መሕደሪ ምርካብ ቀሊል ኣይነበረን።
    ‘ህ’ ዶ ክንብል፣ ወይስ ግዜ የብልናን?! ብዝኾነ ቆልዓ እታ ዓዲ ምስ ቆልዓ ጎዶቦ እናተጻወቱ፣ ቆልዓ እቲ ጎዶቦ ስለዝሞተ፣ ዓዲ ብኸመይ ነቲ ደም ከምእተደቅሶ ተዋጢራ እያ ኔራ። ‘ደሓን ዶ ኣምሲኽን’ ኢሎመን፣ ነደ እቲ ቆልዓ። ሰን ብወደን ንሶም ብመሕደሪ ተዋጢሮም እዮም ኔሮም። ‘እዚ ብዕራይ ዒባ ይገድፍ፣ ኣነ ከኣ ዘረባ እገድፍ’’ ኣስዒቦም ሽምፍረ-ሓንስ፣ ዘረባኦም ተስፋ ስለዝሃበን ኣሕዲረናኦም።ክእለት ዘረባ፣ ኣብ ዕላል እዩ ዝጥረ። ናይ ምዕላልን ምዝራብን ክእለት ዘለዎ፣ ሞጊቱ ናይ ምርታዕ ልዑል ተኽኦ ከምዘለዎ፣ ዕለታዊ ተሞኩሮና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ከምቲ ንኣገባብ ኣጸሓሕፋ ዝምልከት ዝወሃብ ትምህርቲ ናይ ዕላል ቤት ትምህርቲ እንተዝህሉ ኢልካ ምሕሳብ እንታይ መስለኩም? ምተመሃርና እሞ መዕለልና።
ዕላል እንታይ እዩ? ብኸመይ ትጅምሮ፣ ሕቡእ መልእኽቲ ዕላል ከ ብኸመይ ኢኻ ተለልዮ? ኣገዳስነት ምሳሌኣዊ ኣበሃህላ ኣብ ዕላል እንታይ እዩ? ወዘተ… እንተንመሃሮ፣ ኣብ ብልሒ ኣእምሮና ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ፣ ርኡይ ይመስለኒ፣ ንዕላል ብኩለንትናኡ ክትርድኦ ምኽኣል ማለት ንነገራት፣ ብደቂቕ ወይ ብረቂቕ ክትርዳእ ምኽኣል ማለት ስለዝኾነ፣ በዚ ናይዚ ዘመን ኣዘራርባ ንናይ ዲፕሎማሰኛታት ቋንቋ ዘርዚርካ ክትፈትሕ ምኽኣል ማለት እዩ። ረብሓ ዕላል ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን።
    ሹም ፍረ-ሓንስ ነተን ሰበይቲ ጽን ኢሎም እዮም ሰሚዖመን። እቲ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ፣ ብዘይካ እቶም ክልተ ቆልዑ፣ ማንም ከምዝዘይነበረ፣ ንምቕታል ዝኸውን መበገሲ ድማ ዝኾነ ከምዝይነበረ ብዘረጋገጹ፣ ነተን ሰበይቲ ዘረባ ሓዲጎምለን።
‘ደያኑ ክልቲኡ ዓዲ ምስተኣከቡ፣ ከም ሃላፊ መንገዲ ተመሲለ ክመጽእ እየ፣ ሽዑ እዝጊ የርኢኹም፣ ብባይቶ ዓዲ እምሕጸነኩም፣ መፍትሒ ስኢንና እሞ ገለ ፍታሕ እንተሎኩም በላኒ እሞ፣ ነጻ ከምዝትወጻ ክጣበበልክን እየ’ ኢሎመን።
ኣብቲ መዓልቲ ቆጸራ፣ ሹም ፍረ ሓንስ፣ እሕሕ ኢሎም፣ ዘረባኦም ንምጅማር። ‘ኣማውታ እዚ ቆልዓ ንጹር ካብ ዘይኮነ፣ ታ ከሳሲት ዓዲ ክልተ ካብ ቆልዑታ ኣብታ ገረብ ኣደይባ፣ እቲ ጸወታን እቲ ኣማውታን ከመይ ከምዝነበረ ብግብሪ ተርኢ። ደያኑ ነዚ ምስ ተዓዘቡ ጥራይ እዮም ቅኑዕ ፍርዲ ክፈርዱ ዝኽእሉ፣’’ ምስ በሉ፣ ነቲ ተመኩሮ ምድጋም ማለት ካልእህይወት ምሕላፍ ማለት ስለዝነበረ እቲ ጉዳይ ብዕርቂ ከምዝዛዘም ኮይኑ ይበሃል።
   ዛንታ ናይቶም ዘየስተውዕል ኣገልጋሊ ዝነበሮም ወረጃ ሰብኣይ ረሲዕና ኣለና። በቕሎም እዩ፣ በቕልኻ ተወጢሕካ፣ ኣዲ ሰብ ረጊጽካ ኣይሕለፍን ነበረ። እቶም ዓዲ ግን ንቡር ኣቀባብላ ኣይገበሩሎምን። ሽዑ እቶም ሰብኣይ፣ ማዮም ሰትዮም፣ ‘ለባማትኩም ይብዝሑ፣ ማይኩም ብጽሩዩ ይንበር’’ ኢሎም ጉዕዞኦም ቀጸሉ። ኣገልጋሊ ምርቓ መሲልዎ ተገሪሙ።ኣብ ሓንቲ ካልእ ኣዲ ድማ በጺሖም። እዞም ዓዲ ግን ዘይከምታ ቀዳመይቲ፣ ብጽቡቕ እዮም ተቐቢሎሞም። ሽዑ እቶም ሰብኣይ፣ ኣዕሪፎም። ክብገሱ እንከለዉ ግን ‘ሩባኹም ይዘረግ’’ ለባማትኩም ድማ ይውሓዱ’’ ኢሎሞም። ኣገልጋሊ ተሓዋዊስዎ። ምዝራግ ሩባ፣ ዝናብ ይፍጠረልኩም ማለት ምዃኑ፣ ለባማትኩም ይውሓዱ ማለት ድማ፣ ለባማት ኢና በሃልቲ ዝበዝሕዎ ዓዲ፣ ኣብ ክርክር እምበር ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሑ ኣሸጋሪ ስለዝኾነ፣ ስምምዕ ይፍጠረልኩም ማለት ምዃኑ ዝርዳእ ዓቕሚ ኣይነበሮን።
    እንታይ ይበሃል ከምዘሎ ንምፍላጥ፣ ኪንዮ ምስማዕ ጽን ምባል የድሊ። ባህልና ነዚ ዝሕግዝ ሃብታም ልምዲ ስለዝነበሮ ዘሐብን እዩ። ‘ነበረ-ያ ነበረ’ ይብለካ ኣዘታዊ፣ ‘መን ነበረ’ ወይ ‘ኣንታይ ነበረ’ ትብሎ፣ ንምስማዕ ተዳሊኻ ከምዘለኻ ንምርኣይ። ብድሕሪ’ዚ ምሳሌኣዊ ትረኻ ገይሩ፣ ዘስተንትን፣ ዝምህር፣ ዘጠንቅቕ፣ ዘዘናግዕ ወዘተ የዕለካ።እዚ ‘ነበረ-ያ ነበረ’ ዝብል ዛንታ፣ ኣብ ካልእ ከባቢታት ‘’ጽውጽዋይ’’ ብዝብል’ዩ ዝፍለጥ። ዝተነግረ ዕላል፣ ወይ ዝተዘርበ ዘረባ ማለት ድማ እዩ። ‘’ወደኮይ ጸሊማይ’’ ትብሎ ከተቐጽሎ እንተደለኻ። ጽውጽዋይ ኣብ ምልማድ ዕላልን ኣተዓልላኡን ዝለዓለ ተራ ዘበርክት ኣገባብ እዩ።'እንካ ኣዝግነኒ’ ‘ሕንቅልሕንቅሊተይ’ ዝበሃሉ’ውን ንብልሒ ኣእምሮ ዝፈታተኑ ብሕቶ ዝቐርቡ ኣለዉ። እዞም ሕቶታት፣ ንመዝገበ ቃላትካ ዘሀብትሙን ንብልሒ ምስትውዓልካ ዝድርኹን እዮም። ቀሊል ክነሱ ብዝተጠውየ ወይ ብዝተሰወረ ኣገባብ ንዝቐረበ ኣበሃህላ፣ ንኽትፈትሕ ድማ ይሕግዙ።
    ናይ ስነ-ልቦና ክኢላታት ከምዝብልዎ፣ ደዊ ሰብ ብትሕዝቶ ዓይነት ዕላልና፣ ብልሒ ኣእምሮና ይምዘን እዩ። እቲ በሊሕ ሰብ ብዛዕባ ሓሳብ፣ እቲ ማእከላይ ብዛዕባ ፍጻሜ፣ እቲ ድኹም ግን ብዛዕባ ሰባት’ዩ ዘዕልል።
ምስቶም ብዛዕባ ሓሳብ ዘዕልሉ ክትሓብሩ፣ ዕላልኩም’ውን ብዛዕባ ሓሳብት ክኸውን እናዘካከርኩ እየ ክፍለየኩም፣ ጥዑም ዕላል!


Ethiopia Threatens to Oust Eritrea Govt


Officials Say Ethiopia Abandons 'Defensive' Policy


Officials with the Ethiopian government have announced over the past several days that they have changed their policy toward Eritrea and are now preparing to oust the government in the neighboring country through “dipomatic and military” means.
Prime Minister Meles Zenawi said that the Ethiopian government plans to use “all possible means” to destroy the Eritrean government. The announcement came in an interview with an Ethiopia-based radio station run on behalf of the Eritrean opposition if they are real.
The officials say Ethiopia has officially abandoned its “defensive” policy and now intends to be “proactive” about toppling Eritrea.
Eritrea was only able to secure its independence in 1993 after decades of bloody clashes with Ethiopia Dergi. The Ethiopian government invaded again in 1998 like their ancesters  and continues to occupy considerable disputed territory.
Since the loss of Eritrea, Ethiopia has become a landlocked nation, and the reconquest of the territory, whether through a puppet regime of America or outright annexation, is likely a high priority. Ethiopia has pressed for broad international sanctions against Eritrea, nominally for “meddling” in Somalia. Eritrea has denied this accusation but had ties with the now defunct Islamic Courts Union (ICU) in Somalia, which opposed the 2006 Ethiopian invasion of Somalia like they invaded eritrea