Wednesday 17 October 2012

ውጽኢት ምርጫ ብከመይ ይውሰን?


    ዚኾነ ምርጫ ኣብ ትሕቲ ዚተወሰነ ቅጥዕን ኣገባብን እዩ ዚኻየድ። ምርጫታት ዚውሰንሉ ኣገባባት ብዙሓት ክህልዉ ዚኽእሉ እኳ እንተኾኑ፣ እቶም ዚውቱራት ግና ክልተ እዮም።ንሳቶም ድማ፣ ብመሰረት ተዛማዲ ብዝሕን፣ ውሳነ ብመሰረት ፍጹም ብዝሕን ይብሃሉ።ኣብዚ ዘሎናዮ መዋእል፣ እቲ ስልጣን ንምጭባጥ ዚግበር ውድድር መብዛሕትኡ፣ ግዜ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ‘ዩ ዚኻየድ። ስለፍታት ሕጹያት ብምቕራብን ህዝቢ ብምውዳብን ኣብ መስርሕ’ቲ ምርጫ ዓቢ ተራ ይጻውታ። ነፍሲ ወከፍ፣ ሰልፊ ‘ወን ኣብቲ ዝኻየድ ውድድር ንክትዕወት ኣበርቲዓ ትቃለስ።
    እቲ ውድድር ኣብ መንጎ ክልተ ሕጹያት ዚኻየድ ምስ ዚኸውን፣ እቲዓብላሊ ድምጺ ዚረኸበ ሕጹይ ተዓዋቲ ስለዚኸውን፣ ውጺኢት ናይቲ ምርጫ ንምፍላጥ ኣየሸግርን ። ብካልእ ኣዘራርባ ‘ቲ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ድምጺ ዚረኸበ፣ ሕጹይ ተዓዋቲ ይኸውን። ኣብ ሓደ ውድድር ስለስተ ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ተወዳደርቲ ሕጹያት ዚሳተፍዎ ምርጫ ግን፣ ዚኾነ ይኹን ተወዳዳሪ ሕጹይ ክዕወት ብውሕዱ ካብ ነፍስወከፍ ውልቀ መወዳድርቱ ዚበዝሐ ድምጺ ክረክብ ኣለዎ። እዚ ክኸውን ዚኽእል ግን፣ እቲ ውጺኢት ምርጫ ብመስረት ተዛማዲ ብዝሒ ዝውሰን ምስ ዝኸውን እዩ።እቲ ውጺኢት ምርጫ ብመሰረት ፍጹም ብዝሒ ዚውሰን ምስ ዝኸውን ግን፣ ዚኾነ ይኹን ተወዳዳሪ( ሕጹይ ) ክዕወት ብውሕዱ ካብቲ ጠቕላላ ድምር ብዝሒ ናይ መወዳድርቱ ንላዕሊ፣ ማለት ካብቲ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ልዕሊ ፍርቂ ክረኽብ ኣለዎ።
   ንኣብነት ፣ኣብ ሓደ ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ሕጹያት ዚግበር ውድድር እቶም ሕጹያት ፣ 15%፣ 20 %፣ 30 % ፣ 35% ድምጺ ምስ ዝረክቡ እቲ 35% ድምጺ ዚረኸበ ሕጹይ ተዓዋቲ ይኸውን። እቲ ምርጫ ብመስረት ፍጹም ብዝሒ ዝውሰን ምስ ዚኸውን ግን፣ ካብ ኣርባዕቲኦም ሕጹያት ዚዕወት የለን።ምክንያቱ ኣብዚ ኣገባብ’ዚዚኾነ ይኹን ሕጹይ ንኽዕወት በይኑ ካብ 50 % ንላዕሊ ድምጺ ክረክብ የድልዮ።ኣብቲ ስልጣን ንምጭባጥ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ዚግበር ውድድር፣ ቁጽሪ ናተን ዚወዳዳራ ሰልፍታት ክልተ ጥራይ ምስ ዝኸውን፣ እታ ዚተዓወተት ሰልፊ ኣብቲ ሓጋጊ ባይቶ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ መናብር ስለዚህልዋ ጽኑዕ ዚኾነ ምምሕዳር ክትምስርት ኣየጸግማን ።
   ቁጽሪ ናይተን ሰልፍታት ካብ ክልተ ንላዕሊ ምስ ዚከውን ግን፣ መብዛሕቱኡ ግዜ ሓንቲ ሰልፊ በይና ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ድምጺ ከተምጽእ ስለዘሸግር እቲ ምምሕዳር ብልፍንቲ ናይ ክልተ ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ሰልታት እዩ ዚምስረት።ከምዚ ዚኣመሰለ ብልፍንቲ ዚቖመ ስሮኣት ጽንዓት ክህልዎ ድማ፣ እተን ነቲ ልፍንቲ ዘቖማ ሰልፍታት ኣብ ስርሓት ናቲ ምምሕዳር ከም ሓደ ኣካል ኮይነን ክሰርሓን ከድምጻን ኣለወን።
ጹH

No comments:

Post a Comment