Wednesday 21 September 2011

እምነት

       ነታ ኣብ ደንደስ’ቲ መገዲ ሕብስቲ እትሸይጥ ሰበይቲ ኣይፈልጣን ሓላፍ መገዲ’ዬ። ፈረንካ ሂበያ ሕብስቲ ሸይጣትለይ ሕብስተይ እንዳቋረፍኩ መገደይ እቕጽል። እታ ሰበይቲ በቲ ሰልዲ ንጉስ ንክልኢት’ኳ ኣይተጠራጠረትን። እታ ሰበይቲ ከይትስምመኒ ንክልኢት እኳ ኣይተጠራጠርኩን። ኣነን እታ ሰበይትን ዘይንፋለጥ ክነስና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከይጎድእ ተኣማሚንና። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተጎድአ ግን ሕድሕዳዊ ምትእምማንና ጠፊኡ ዝምድናና ይሽሕክር። ናብራ ከኣ ንክልቴና ይጽንክር። ኣታ ሰበይቲ ነታ ፈረንካ ብስና ክትሓካ ትጅምር ብሩር ዝጠዓመ ነሓሲ ከፊለ ከይከውን ትጠራጠር። ኣነ’ውን ነቲ ሕብስቲ ጥዒማ ክትህበኒ እገብር ንዘይኣምነኒ ስለዘይኣምን። እሞ ድኣ ኣብ ቤት መግቢ ኣትየ ክስራሕ ዘይረኣኹዎ መግቢ ከመይ ክበልዕ? እምበር’ዶ እቲ መካኒክ ነታ መኪና ከም’ቲ ዝደለኹዎ ኣዐርዩዋ እዩ? ነታ ክሳደይ”ከ ከመይ ንላጻዪ ክህባ? ገንዘበይ ከመይ ኣብ ባንክ ከቐምጥ? ናብ ስራሕ ምስከድኩ ሰበይተይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ዓርከይ እንታይ ከም ትገብር ብድሕረይ እንታይ እፈልጥ? ህይወተይ ድማ ናብ ቀጻሊ ምጥርጣር ትወድቕ’ሞ ንመጠረስትኡ እታ ሰበይቲ ሕብስቲ ከይሸጠት፡ ኣነ’ውን ጥምዬተይ ከየዓንገልኩ ንተርፍ።ብዙሓት ሓለምቲ ዓለም ብፍቕሪ እያ ትኸይድ ይብሉ። 
      ብዙሓት ተግባራውያን ኢና በሃልቲ ከኣ ኣይፋልን ዓለም ብገንዘብ እያ ትሽክርከር ይብሉ። ኣነ ግን እብለኩም ዓለም ብእምነት እያ ትኸይድ። ብዘይካ እምነትን ሕድሕዳዊ እምነትን ዝኾነ ማሕበራዊን ቁጠባዊ ርክብ ኣይህሉን። ሕድሕዳዊ እምነት መሰረት ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታት እዩ። ደቂ ሰባት ብዘይካ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ብሓባር ክነብሩን ክሰርሑን ኣንበይከኣሉን። ሕድሕዳዊ ምትእምማን ንሕልኽላኻት መዓልታዊ ህይወትና  የቃልል ጥራሕ ደይኮነስ መበገሲናን መዛዘሚናን እዩ። ብዘይካ ሕድሕዳዊ ምትእምማን፡ ደቂ ሰባት ብፍቅሪን ብሕታዊ ደስታናን ኣይምነበሩን። ናይ ገዛእ ርእሱ ደሴት ዝኾነ ሰብን ማሕበረ ሰብን የሎን። ድሕነትን ናብራን ሓደ ኣብ ተግባራት ካልኦት ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ ድማ ብዘይካ ሕድሕዳዊ ምትእምማን፡ ሰባት፡ ሓንቲ ስጕምቲ’ኳ ንቕድሚት ኣንበይኸዱን።
     እምነት፣ ሰባት፡ ነገራት፡ መጠናት ንዘንበርናሎም ሓደራ ክፍጽሙ ምጽባይ እዩ። ነቲ ዘንበርናሎም ሓላፍነት ብጌጋን ንጕድኣትን ከይጥቀምሉ ምእማንን ምትስፋውን። ብጋህድን ተግባርን ዝተኸስተ እምነት ከኣ ዝያዳ እምነት ይፈጥር።እንተኾነ፡ እምነት፡ ኵሉ ጊዜ እምነት ኣይፈጥርን። ከም ዝኾነ ኣምር እምነትን ሕድሕዳዊ ምትእምማንን ግርንቢጦም ኣሎውዎም። ብርቱዕ፡ ዕዉር እምነት ኣብ’ቲ ተኣማኒ ጥልመት የተባብዕ። ሕሉፍ እምነት፡ ከም ዝኾነ ሕሉፍ፡ ንመጠረስትኡ የበላሹ። ንዝተነብረሎም ሓደራ ኣብ ጥቕሚ ገጻእ ርእሶም ዘውዕሉ ጠላማት ይርከቡ። ንዝተነብረሎም ሓደራ ዘይበቕዑ ክእለተኣልቦታት’ውን ይርከቡ። ሽሕ”ኳ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ንሕይወትና ድሕንትን፡ ቅልጥፍትን ጥዕምትን ህድእትን ዝገብር ተኣምር እንተኾነ፡ ቀለልቲ ኣመንቲ ከይንኸውን ዘስተውዕሉና ሓያሎ ኣሉታዊ ተሞኵሮታት’ውን ይነብሩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ እምነት ጽቡቕ’ዩ ዝተባህለ።
     ንምሉእ ህይወትና ዝከታተሉ ዓመምቲ ሕቶታት። ንውልቀሰባትን ትካላትን፡ ንፍቑራትናን ኣዕሩኽትናን፡ ንወለድን ውሉዳትን፡ ንወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን፡ ንኣፍረይትን ዓሚላትን፡ ንሓካይምን ሕሙማትን፡ ንመንግስታትን ህዝብን፡ ንማዕከናት ሓበሬታን ተሓበርትን … ንዅሎም ብማዕርነት ዝምልከት ሕቶ’ዩ። ክሳብ ብጭቡጥ ጥልመት ዘየረጋገጽና ምእማን ኵሉ ጊዜ ኣዎንታዊ እዩ። ኵልና ክንእመን ንደሊ ኢና። ተኣማንነት፡ ምስ ሓፈሻዊ ክብረትን ዋጋን ደቂ ሰባት – ማለት፡ መንፈሳዊ ጽባቔኦም – ዝተኣሳሰር ኣምር ወይ ፍልጠት እዩ። እምነት ዝተነብረሉ ክብረት ክስምዖ፡ እምነት ዝተሳሕቦ ከኣ ሕስረት ክስምዖ ጠባይና’ዩ። እቲ እምነት ዝተነብረሉ ከኣ ርእሰ እምነቱ ይዓቢ’ሞ ነቲ ዝተነብረሉ ሓላፍነት፡ ሓደራ ከፈጽም ይኽእል። እምነት፡ ኣብ’ቲ እሙን ሓቦን ተበግሶን ፈጣርነትን ይፈጥር። እቲ ሓዲሽ ዝተፈጥረ ነፍሰ እምነት ከኣ መሊሱ ዝያዳ እምነት ይፈጥር ሓደ ቀጻሊ ንላዕሊ ሓዃሪ ምንቅስቓስ’ዩ። ቅድሚ መንፈሳዊ ጽባቐ ምዃኑ ግን እምነት ሓደ ተራ፡ ግዙፍ ነገራዊ ተግባራዊ መሳለጢ ናይ ሓባራዊ ልሙጽ ናብራን ምዕብልናን እዩ። እንተኾነ፡ ሰብ፡ ካብ መሬት ተንሲኡ ንዝኾነ ኣይኣምንን። እቲ ፍርቂ ምሉእ እንተላይ ፍርቂ ጎደሎ ኣዩ። 
      እሞ፡ ሓደ፡ ብመሰረታዊ ጠባዩ ክእመን ወይ ከይእመን ይኽእል። ነዊሕ ተሞኵሮን ፍልጠትን ካብ’ቶም ተኣማንነት ዘሕድሩ ብቕዓታት እዮም። እቲ ነቲ ንቡርን ዘይንቡርን ኣብ ህይወት ዝፈልጥ ንሱ ንዝፍጠሩ ግድላት ክፈትሕ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ይእመነሉ። እምበኣር ተሞኵሮ ሓደ ካብቶም እምነት ዘሕድሩ ብቕዓታት እዩ። እቲ ዝተኣምነ ከኣ፡ መብዛህትኡ ጊዜ፡ ነቲ ተኣማንነት ኣብ ነብሱን ከባቢኡን የንጸባርቖ። ቈልዓ፡ ምሉእ እምነት ድሕንነት ይህወቱ ኣብ ወለዱ የንብር። ወለዲ ከኣ ብኡ መጠን ነቲ ህጻን የፍቕሩን ድሕንነቱ የረጋግጹን። ኣዕሩዅቲ’ውን ከምኡ። ምንጪ መሰረታዊ እምነት ምትእምማን ዝተሰረተ ተሞኵሮን ምንጽብራቑን እዩ። ሕድሕዳዊ ምትእምማን ብንቕሓት ዝትከልን መዓልታዊ ምዅስኳስን ምጕልጓልን ዘድልዮ ህያው ዝምድና እዩ። እምነትን ሕድሕዳዊ ምትእምማንን ናብ ባህልን ልምድን ክሳብ ዝትከሉ፣ ናብ ባህረታዊ ጠባይ ሰብ ክሳብ ዝህነጹ ኣብ እምነትን ምትእምማንን ዝተመርኮሰ ናይ ነዊሕ ጊዜ ዝምድናን ተሞኵሮን ይሓቱ። ሽሕ’ኳ ባህረታዊ እምነትን የዋህነትን (ጕድለት ንቑሕ እምነት) ከይዳወሱ ምጥንቃቕ ዘድሊ እንተኾነ ብመሰረቱስ እምነት ኣዎንታዊ እዩ።  እምነት፡ እምነት ይፈጥር። ክሕደት ድማ ክሕደት ይሃንጽ::


                                           * ነቲ ዘይኣምን ኣይትእመኖ
                                           *ተኣምንነቱ ዘጥፍአ ንኹሉ ኣጥፈኦ
                                           *ኣብ ምእማን ተጠንቀቕ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዘይምእማን 
                                           *ርእሰ እምነት ምንጪ ኵሉ እምነታት እዩ። እቲ ነፍሰ እምነት ዘይብሉ ንኻልኦት’ውን ኣይኣምንን