Thursday 19 January 2012

ከፍቅር`ዩ ዝፍቀር መሲሉዎ

እወ ኣይተዓደለን  ብፍቅሪ  ክፍቀር
ከንቶ`ባ ኣሕሊፍዎ ድራሩ ከማእርር
ኣብዚ ተባጺሑለይ ንዕድሉ ከማርር
                                        እቲ ፍቅሪ ሓርቢትዎ ብከመይ ከም ዝርከብ
                                        ከፍቅር`የ ኢሉ ይጽዕር የቃምት ብተብተብ
                                        ክፍቀር እየ ኢሉ  ግን  ብፉጹም  ዘየሓስብ
ከፍቅር`የ ኢሉ ዝፍቀር ዝፍቀር መሲሉዎ
ዕድሉ እንተማርር ኣይተፈቅርን ከምዝበሉዎ
ንግዜ   እንትረግም  ጽምዋ ቢሒትዎ
                                        እቲ ፍቅሪ`ሲ ብገንዘብ ኣይዕደግን
                                       ከም ንብረት እውን ኣይልወጥን  ት`ሽግር                                   
እሞ ከየፍቀረ ከመይገይሩ ከፍቅር
ሕልና ሲሒቱ ንፍቅሪ ክምእርር
ላዕልን ታሕትን ከፍቅር ክጽዕር
                                      እንተ ኣነሞ ምክረይ  ከምዚኣ ዳኣላ
                                      ግዘካ ተጸበ ሓንቲ ማዓልቲ  ኣላ
                                      ንስካ ትሕጎሰ ነታ ተፍቅራ ተፍቅረላ
                                      ሕጂ ኣይትሸኩል ንግዘ ኣይተሐንኩላ
                                      ተጸበ ኣጆካ  ክትመጸልካ እያ ባዕላ ::
    ኣይተጋገኩን ይመስለኒ ::ስለምንታይ`ሲ ፍቅሪ ደሊካ  ትርከብ ኣይመስለንን  ምክንያቱ ፍቅሪ ናይ ባዕላ ተፈጥራዊ ሕጊ ፍቅሪ ስለ ትውንን እዩ:: በቲ ሓደ ወገን ድማ ትርጉም ሂወት እንዳ ፈለጥካ ከምዘይ  ፈለጥካ ጠሓሒስካ ዝሕለፍ ተዝከውን ክንደይ ምመቀረ ይሩ ዘይኮነስ  ደቂ ሰባት ብሽም ህላውነቶም እንዳ ተቀያየሩ ኣብ ነንባዕሎም  ካብቲ ዘለዉዎን ዝዓይዎን  ተግባር ዝባኣሰ  ኣሰር ህላውነቶም  ከሕድሩ ኣይምካኣሉን ::ሂወት ቡዙሕ መሳናክልን ዓቀበትን ቁልቁለትን ዝሓዘለት ዑሾክ  እያ::በቲ ሓደ ወገን ዲማ ባህርያአ ግን ዘይንጹርን ብተስፋኣዊ ሕልመትን ሕልምን ጭካናኣዊ ስነምግባር ዝተከበበት እያ ትመስል::ፍቅሪ:ጭካነ:ሓልዮት:ታህጋስ:ጓህን ምረትን  ኩሎም  ኣብ ሓደ  ደረጃ ሂወት ተሰኪዖም  ባዕለሙን  ነንባዕሎም  እንዳተፈራረዱ ክቅጽሉ ከለዉ እቲ ጭካናዊ ባህሪኦም ብድሕሪት እንዳ ገደፉ ብሰላምን ራህዋን ክነብሩዋ ይፍትኑ:: ናብዚ ደረጃ  ከብጽሖም ዝካኣለ ግን  ኣብ ነንባሎም ብዘርእይዎ  ፍቅርን ጽልኣትን`ዩ ::ከመይሲ ህላወ ፍቅሪ መበገሲኡ ሂወት ስለ ዝኮነ እዩ ይመስለኒ   ከመይሲ ፍቅሪ ኣብ ነብስናን መበገሲናን  ኢና ንጅምሮ  ኣባሃህላይ ኣብ በተሰብን ነንባዕልና  ብዘሎና ሓልዮት ዝተሞርከሰ ይመስለኒ ጥራሕ ዘይኮነ`ሲ ንባዕሉ እቲፍቅሪ  እዩ  ናይ ህላወና መበገሲ`ዩ ::                        

ባህሪኹም ብመንጽር ቅርጺ ኣፍንጫኹ

      
                                     ገዚፍ ኣፍንጫዘለኩም
ኣፍንጫኹም ኣዝዩ ገዚፍ ካብ ምዃን ዝተበገሰ ዘኽፍኣልኩም ኰይኑ ዝስምዓኩም እንተድኣዀይኑ። ተጋጊኹም፣ ብኣንጻሩ ብሓጐስ ክትሰራሰሩ እዩ ዝግብኣኩም፣ ምኽንያቱ። ናይ ገዛእ ርእስኹም ኣዘዝቲ ምዃን ኢኹም እትብህጉ፣ ቀንጠመንጢ ስራሓት ምስራሕ ኣመና’ዩ ዘሰልክየኩም -  ዓበይቲ ኣበርክቶታት ምግባር እዩ እቲ እትመርጽዎ፣ ካብ’ዚ ዝብገስ ድማ ብደረጃ ዝልዓለ ሓላፍነት እንተዘይኰይኑ ከም ካልእ ብዝሕ ዝበለ ሰብ ኣብ ዝዀነ ስራሕ ዳርጋ ኣይትሰርሑን ኢኹም፣ እዚ ድማ ተመራጺ ባህሪ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎ፣
                                     ንእሽቶ ኣፍንጫ ዘለኩም
ንእሽቶ ኣፍንጫ ዘለኩም ሰባት። ንተደጋጋምን ኣሰልካዪን ስራሕ ከመይ ጌርኩም ከም እትቆጻጸርዎ ኣይትጽገሙን ኢኹም፣ ብዙሕ ግዜ። ከምዚ ዓይነት ኣፍንጫ ዘለኩም  ኣብ  “ሰክረታሪ”  ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ስርሓት ኢኹም እትዋፈሩ፣ ዝተዋህበትኩም ትእዛዝ ከምዘለዋ ምትግባር እቲ ፍሉይ መለለይኹም እዩ፣ ብተወሳኺ። ካልእ ሰብ ከይትሃስዩ ብምባል እቲ ዝኸፍአ ሓሶት
ካብ ምሕሳው ኣይትቁጠቡን ኢኹም፣
                                       ጠፍናቕ ኣፍንጫ ዘለኩም
ጠፍናቕ ኣፍንጫ ዘለኩም ሰባት ድማ ብባህርይኹም ካልኦት ሰባት ናይ ምሕጋዝ ዝንባለ እትውንኑ ኢኹም፣ ካብዚ ዝብገስ ከምዚ ዓይነት ኣፍንጫ እትውንኑ። መብዛሕትኡ ግዜ  “ግብረ- ሰናይ”  ተባሂለን ኣብ ዝጥቀሳ ትካላት ኢኹም እትሰርሑ፣ ከም ጸገም ዝጥቀስ ባህርይኹም ሓደ። ኣመና ሓገዝቲ ካብ ምዃንኩም ዝብገስ ብኻልኦት ሰባት ብቐሊሉ ተመዝመዝቲ ምዃንኩም እዩ፣
                                    ለዋይ ኣፍንጫ ዘለኩም
ከም’ዚ ዓይነት ኣፍንጫ ዘለኩም ሰባት። ሽሕ’ኳ ባህርኹም ምስቶም ገዚፍ ኣፍንጫኦም ዝመሳሰል እንተዀነ። ናታትኩም ግና ኣዝዩዝተጋነነ እዩ፣ ሰባት ምሳኹም ክሰርሑ ወይ ክትዓራረኹ እንተድኣዀይኖም ድማ። መጀመርታ ከምዘኽብሩኹምን
ኣገደስቲ ምዃንኩም ከምዝኣምኑንን ከተረጋግጹ ጥራይ ኣለኩም፣
                                   ከቢብ ኣፍንጫዘለኩም
ጫፍ ኣፍንጫኹም ከቢብ ምስዝኸውንከኣ።ኣብዘይምልከተኩም ጉዳይ ምእታው ዝብርሃኩም ወጣማት ምዃንኩም ይእመን፣ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ክትፈልጡ እትብህጉ ዓይነት ሰባት ኢኹም፣ ምስ ካልኦት ሰባት ተረዳዲእኹም ክትነብሩ እንተድኣ ዀይንኩም ድማ ዝዀነ ሓበሬታ ከምዝተሓብአ ኰይኑ ክስማዓኹም የብሉን፣ ይበሃል ሓቅነት ተሃልይዎ`ሲ::

ምስትምቃር ሂወት

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ፈጣሪ ንብዕራይ ፈጠረ ብኹለንተናኡ ብዝዓገበ ከኣ ናብ መሬት ቅድሚ ምስዳዱ ከምዚ ክብል ተዛረቦ፣ ’ንስኻ ሎሚ ዝዓየኹኻ ፍጡረይ ኢኻ፣ ከም ብዕራይ ኴንካ ከኣ ኣብ ግራት። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ። ምሉእ መዓልቲ ክትሰርሕ ክትውዕል ኢኻ፣ ዕድመኻ ሓምሳ ዓመት ክኸውን’ዩ’’ ብዕራይ ግን ፈጣሪ ንዝበሎ ስለ ዘይዓገበሉ ካብ ልቢ ሓዘነ፣ ናብ ፈጣሪ ገጹ እናጠመተ ከኣ። ‘’ኦ ጎይታ። ንኸምዚ ዓይነት ዘይምቹእ ናብራ ስለምንታይ ሓምሳ ዓመት ክነብር ተመኒኻለይ?  ፍቓድካ እንተኾይኑ ዕስራ ዓመት ብኸምዚ ዝበልካኒ ክኸይድ’የ፣ እተን ሳላሳ ዓመት ግን ስለ ዘየድልያኒ ይትረፋኒ፣’’  በለ፣ ፈጣሪ ከኣ ምስ ሓሳቡ ተሰማምዐ፣ ካልኣይ መዓልቲ ብዝኾነ ፈጣሪ ንህበይ ሰየመ፣ ብኹሉ ወገና ብዝዓገበ ከኣ ከምዚ ክብል ተዛረባ፣ ‘’ንመሬት ምኻድኪ ንሓደ ዕላማ’ዩ፣ ንሱ ከኣ ንደቂ ሰባት ምስሓብን ብባህሪኺ ከም ዝስሕቁ ምግባርን’ዩ::
ከተስሕቕዮምን ከተዘናግዕዮምን’የ ዝሰደኪ ዘለኹ፣ ዕድመኺ ከኣ 20 ዓመት ክኸውን’ዩ፣’’ ህበይ ንዘረባ ፈጣሪ ብዝሰምዐት ገጻ ብኹራ መልአ፣ ንሳ’ውን ናብ ገጽ ፈጣሪ እናተመልከተት ከምዚ ክትብል ተዛረበት፣ ‘’  ንሰባት ምዝንጋዕ ጥራይ ዝኸውን ህይወት ኣዝዩ ኣሰልቻውን ኣድካምን’ዩ፣ ፍቓድካ ካብ ኮነ ግን እተን ዓሰርተ  ዓመት ተጸሚመ ክነብረን’የ፣ እተን ዝተረፋ ዓሰርተ ዓመት ግና ድላየይ ኣይኮናን፣’’ በለቶ፣ ፈጣሪ ምስ ሓሳብ ህበይ ተሰማምዐ፣ ሳልሰይቲ መዓልቲ ብዝኾነ ፈጣሪ ንኸልቢ ፈጠሮሞ ከምዚ ከኣ በሎ፣ ‘’ንስኻ ናይ ሳልሰይቲ መዓልቲ ፍጡረይ ኢኻ፣ ስራሕካ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ኮፍ ኢልካ ምውዓል’ዩ፣ ናብ ገዛ ጎይቶትካ ንዝኣተወ ብምንባሕ ክትክልክሎን ክትግስጾን ይእዝዘካ ኣለኹ፣ ዕድመኻ 20  ዓመት ክኸውን’ዩ::
 ፈጣሪ ዘረብኡ ብዝዛዘመ ኣብ ገጽ ከልቢ’ውን ሕርቃን ክሰፍን ረኣየ፣ ከልቢ ድማ ከምዚ ብምባል ክዛረብ ጀመረ፣ ‘’ኦ ፈጣሪ! ኣብ ኣፍደገ ቤት ኮፍ ኢለ ክውዕልን ጊላ ወዲ ሰብ ኮይነ ክነብርን ዕስራ ዓመት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ፣ ስለዚ እተን ዓሰረተ ዓመት ከም ፍቓድካ ክነብረን’የ፣ እተን ዓሰርተ ግን ክመልሰልካ ይሕሸኒ፣’’ ፈጣሪ። ንኸልቢ ብዓይኒ ርህራሀ ጠሚቱ። ‘’ከም ድላይካ ይኹን፣  ኪድ ንመሬት ብጻሕ። ዕድመኻ ከኣ ዓሰርተ ዓመት ይኹን፣’’ በለ፣ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ፈጣሪ ካብ መዳቕሶኡ ተንስአ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ነቲ ብምሉእ ልቡ ዝተመንዮ ሰብ ፈጠሮ፣ ከምዚ ከኣ በሎ። ‘’ንስኻ ናይ መወዳእታ ፍጡረይ ኢኻ፣ ኣብሊጸ ስለ ዝፈትወካ ከኣ ስራሕካ ከምዚ ክኸውን እዩ፣ እኹል መግቢ። መስተን ድቃስን እናረኸብካ ህይወትካ ኣዝዩ ባህ ዘብል ክኸውን’ዩ፣ ብዘይካ እዚ ዝተባሃልካዮ ካልእ ዕዮ ኣይክህልወካን’ዩ፣ ንስኻ እቲ እንኮምቾት ከሕልፍ ዝተፈጥረ ፍጡረይ ኢኻ፣ ዕድመኻ ዕስራ ዓመት ክኸውን እዩ፣’’  ብምባል ፈጣሪዕዮኡን ዘረባኡን ዛዘመ፣ ወዲ ሰብ ግን ነዚ ብዝሰምዐ ካብቶም ቀዳሞት ብዘይፍለ ኣብ ገጹ ጓሂ ዓሰለ፣ ከምዚ ክብል ከኣ ናብ ፈጣሪ ጠርዐ፣ ‘’ፈጣሪ።
ባህ ዘብል ህያብ ህይወት ሂብካኒ ኢኻ፣ ክበልዕ። ክሰቲ ክጻወት። ክድቅስን ነገራት ከኣ ከም ቃሕታይ ክምርምርን እምብዛ ባህ ዘብል ናብራ’ዩ፣ ዕስራ ዓመታት ግና ኣዝየን ውሒደናኒ፣ ፍቓድካ እንተኾይኑ ብዕራይ ዝተሓሰሞ ሳላሳ ዓመት።ህበይ ዘይደለየቶ ዓሰርተ ዓመት። ከልቢ’ውን ዝመለሶ ዓሰርተ ዓመት ናተይ ክኸውን ፍቐደለይ?’’ፈጣሪ ንልመና ሰብ ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ ብተግባር ወዲ ሰብ እናተገረመ። ‘’ወደይ ከም ፍቓድካ ይኹን፣ ዕድመኻ ካብ ዕስራ ናብ ሰብዓ ይደይብ፣’’ ብምባል ተዛሪቡ ካብ ገጽ ወዲ ሰብ ተኸወለ፣ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ። ካብ’ታ ዝተወለድናላ    ዓመት። ናይ ፈጣሪ ህያብናዝኾናዕስራዓመትክንጻወተለን። ክንበልዓለንን ክንድቅሰለንን እምበር ካልእ ስራሕ ክንፍጽመለን ዘይንርአ፣ ስዒበን ዝመጻና እተን ካብ ብዕራይ ዝተለቃሕናየን ዕድመ’የን፣ እዘን ዕድመ እዚአን  ድሕሪ እተን ምቁራት ዕስራ ዓመታት ዝመጻ ኮይነን ሳላሳ ዓመታት’የን፣ እዘንዕድመ እዚአን ዕድመ ከርተት።
ጻሓይ ይኹን ቁሪ ተጻዊርና ሃለኽለኽ ክንብል። ጾር ስድራና ተቐቢልና እንኣልየለንን እነገልግለለንን ጻዕሪዝሓታና ዓመታት’የን፣ ድሕሪ እዘን ዕድመ እዚአን ዝመጻ እተን ካብ ህበይ ዝወሰድናየን ዓሰርተ ዓመት’የን፣ ንሳተን ዕድመና ካብ ሓምሳታት ናብ ስሳታት እንኣትወለን ኮይነን። ነቶም ዝንኣሱ ደቅናን ደቂ ደቅናን ብጽውጽዋያት እነዛናግዓሉለን  ዕድመ’የን ቀጺለ ንዝመጻ እተን ኣብ መወዳእታ ካብ ከልቢ ዝረኸብናየን ዓሰርተ ዓመት’የን፣ እዘን ዕድመ እዚአን ብዘይካ ኣብ ኣፍደገ ቤት ኮፍ ኢልካ ገዛ ምሕላውን ምስ ሰባት ምንጽርጻርን ካልእ ዝህልወና ስራሕ ኣይህሉን፣ ድሕሪ እዘን ናይ መወዳእታ ዕድመ  ዝተርፈና እንተሃልዩ ነተን ዝነበራና ዕድመ ዛዚምና ንሓዋሩ መዕቈቢና እንሕዘሉ ዕድመ’የን  ኢሎም ንብለኩም::

ንልቦና

• ተነጽሎ ናይ ሕልና ማእሰርቲ’ዩ፣ ስለዚ ካብ ከባቢኻን ሕብረተሰብካን
   ኣይትፈለ።
•  ዕለታዊ ተግባርካን ዕለታዊ ስራሕካን መምዘኒ ሓቅነትካ’ዩ፣ ስለዚ
   ጽቡቕ ግበር።
•  ፍቕሪ ንማንም ፍጡር ፈልዩ ዘይጥምት ናይ ሓባር ቋንቋ’ዩ።
•  ኣፍካ ዓባስ እንተኾይኑ፡ ስራሕካ ባዕሉ ብቓላት ስለዝዛረብ ኣብ
   ነብስኻ ተኣማመን።
• ኩሉ ሕማቕ ከም ጽላሎት ሓላፊ’ዩ።
• ብሕርቃን ተዓብሊልካ ሕማቕ ካብ ምስራሕ ተቖጠብ።
•ንኡስ ሓንጎል ብደቂ-ሰብ የዕልል፡ ማእከላይ ሓንጎል ብከባቢኡ
  ይዛረብ፡ ዓቢ ሓንጎል ንመጻኢ ይእምት።
• ሓቂ’ውን ኣብ ዘይእዋና ሓሶት’ያ።
• ሰላም እንተደሊኻ ንኲናት ድሉው ኩን።