Monday 16 January 2012

ዘሰንብድ ብሽርሕን ዓሌታውነትን ዝተአለመ ዜና ካብ ሽረ እንዳስላሴ …ኤርትራን መደባት ኢትዮጵያንዶ ክብሎ?


    ደቂ ኤረ፣ እንታይ ይኸይድ ከም ዘሎ ክርድኣና ነዚ ዝስዕብ ሓበረታ ንወከስ፡- ካብ 9 ክሳብ 13 ጥሪ 2012፡ ካብ ዝተፈላለየ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ መደበራት ተሓሪና እተጸዋዕና ኤርትራውያን ስደተኛታት እተሳተፍናዮ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ሽረ   ተኻይዱ። እዚ ኣብ ሚድያ ኢትዮጵያ ብወግዒ ዘይተገለጸ ኮንፈረንስ ብቤት ጽሕፈት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ተወዲቡ። ነቲ ኮንፈረንስ ዝመርሖ ድማ ሓደ ካብ ኢትዮጵያውያን ላዕለዎት ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ኢዩ እተባህለ ኣቶ ኢሳያስ ወልደጊዮርጊስ ነይሩ::ናይ’ቲ ኮንፈረንስ ኣጀንዳ ንኩነታት ኤርትራ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ጉዳያትን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን ምድህሳስ ኢዩ ነይሩ። እቲ መደምደምታታት ድማ ኤርትራ ኩሉ መሰላት ዘይክበረላ፡ ማሕበራዊ ጸገማት ዝሳዕረረላን ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተነጸለትን ምዃና ኣትሪርካ ምድማቕ እተሓወሶ ነይሩ። እዚ ኣብ ሓቂ እተመስረተ ዝኽእል መደምደምታ ብምንባሩ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብቲ ኣኼባ ‘’እዚ ሕጂ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ንኤርትራ ብድኻአ እዩ ክርከባ’’ ዝብል ኣበሃህላ ተንጸባሪቑ። ኣብ መወዳእታ ካብዚ ኮንፈረንስ ንፍሉይ ስልጠና ብዝብል ምኽንያት 11 መንእሰያት ተሓርዮም። እንታይ ዓይነት ስልጠና’ዩ ጌና ኣይፈለጥናን። ክግመት ከም ዝከኣል ግን እዚኣቶም ምናልባት ንመጻኢ ሰፊሕ ናይ መንእሰያት ኮንፈረንስ ንምድላው ይመስል።
ኣብዚ ኮንፈረንስ ሓደ ግሩህ ካባና፡ ‘’ስለምንታይ እዚ ኮንፈረንስ ኣብ ክንዲ ብኢትዮጵያውያን ዝምራሕ፡ ብኪዳን ወይ ድማ በዚ ኣብ ሃዋሳ ዝተመስረተ ባይቶ ዘይምራሕ?’’  ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ። በቲ መራሕ ኣኼባ ድማ ደሓር ነዚ ሕቶኻ ንምምላስ ብውልቂ ድሕሪ ኣኼባ  ክንራኸብ ኢና ዝብል መልሲ ሂቡ ሓሊፍዎ። ሓታትን  መራሕ ኣኼባን ምስ ተራኸቡ ድማ “እዘን ውድባት እዚኣተን ኣንጻር ህግደፍ ከድመዓ እየን ኢልካ ኣይትሕሰብ። ካብ ዘይሰረሓ ድማ መተካእታ ምድላይ ናይ ግድን እዩ” ዝብል ሓውሲ መጠንቀቕታ መልሲ ከም እተዋህቦ ባዕለይ ኣረጋጊጸ።
ካብ ደቂ ውሻጠ ዝመስሉ ከም ዝሰማዕኩዎ ከኣ፡ እዚ ኮንፈረንስ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ’ውን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ናይ መራሕቲ ውድባትን ናይ ምሁራትን ሰሚናራት ‘’ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ መንእሰያት ኮንፈረንስ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮንፈረንስ ክካየድ እዩ ዝብል መደብ ኣሎ። ብዘይካዚ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሊግ ብወገኑ ኣብ ዓመተ 2012፡ ናይ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ለኻዊ ኮንፈረንስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምክያድ መደብ ኣለዎ ክብሃል ሰሚዐ።
ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ኢና ኢሎም፡ ኣብ ጉባአ ሃዋሳ ካብ መደበር ስደተኛታት ተወኪሎም ተሳቲፎም ዝነበሩ ደቂ ከባቢ ሰርሐ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ንሕና ኤርትራውያን ኣይኮናን ስለዚ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ክወሃበና ኣለዎ ኢሎም ከም ዝጠለቡን ኣብቲ መደበር ስደተኛታት ነዚ ስምዒት’ዚ ንምስራጽ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉን እውን ኩሉ ክፈልጦ እደሊ። ካብዞም ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕማቕ ተግባራት ተሳቲፎም ዘለዉ ባእታታት ለገሰ ረዳ መለሰ፡ ኣባዲ በርሀ ፍጹምን፡ ተስፎም ሓጎስን ከም ኣብነት ክጠቕሰልኩም። ኣብ ቀረባ ዘሎኹም ትፈልጥዎም፡ ርሑቕ ዘሎዉ ደቂ ሃገር ከኣ ሓቲቶም ይፍለጡ።
ንለባም ኣምተሉ፡ ንዓሻ ከኣ ደርጒሓሉ ኢዩሞ፡ እቲ ኣሚተዮ ዘሎኹ ዝኣኽለኩም ሓበረታ ገይረ እወስዶ።               

No comments:

Post a Comment