Everyone thinks of changing the world, but no one thinks of changing himself.- Ibrahim wedi higo
Saturday, 4 December 2010
ከነብስላዶ
ሊቃውንቲ ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ - ካናዳ። ሌዮናርዶ ዳቪንቺ ኣብ 1485 ዓ.ም.
ንዘዳለዎ ንድፊ መሰረት ብምግባር ብመልክዕ ፔዳል ፔዳለ) ብእግሪ ተዘዊራ
እትሰርሕ ነፋሪት ከምዝሰርሑ ገሊጾም፣
እታብሓይሊ ሰብ እትበርር ነፋሪት ልክዕ ከምቲ ዳቪንቺ ዝነደፎ ብናይ ኣዕዋፍ-
መሰል ዝተሰንዓላ መንገብገብ ብምጥቃም እያ እትበርር፣
እታ ነፋሪት መጀመርታ ብመኪና ተሳሒባ ከምእንተንሳፍፍ ድሕሪ ምግባር።
ዘዋሪኣ ፐዳል ኣብ ዝዝውረሉ እዋን እቲ መንገብገብ ልክዕ ከም ናይ ኣዕዋፍ
ከምዝንቀሳቐስ ተፈቲና ኣተባባዒ ውጽኢት ከምዘመዝገበት ተፈሊጡ፣
“ዘዋራይ እታ ነፋሪት ኣብ ላዕሊ እንከሎ እንተደኺሙ ግን ናብዛ ባይታኡ
ጥብ!?” ትብል መርበብ ሓበሬታ ኒውስላይት፣
*** *** *** *** *** ***
ኣብ ማሳቹስተስ - ኣመሪካ ብቐልቀል ኣኽላባት ዝሰርሕ ናይ ጎደናታት
መብራህቲ ተማሂዙ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ብምጅማሩ ወነንቲ ኣኽላባት ቀልቀል
ኣኽላባቶም ከይፈተዉ ዘልዕሉሉ ሓደ መገዲ ተማሂዙ፣
እቲ ናይ ጎደና መብራህቲ ኣብ ከባቢ ናይ ኣኽላባት መዘናግዒ (dog park)
ከምዝተተኽለን ወነንቲ ኣኽላባት ቀልቀል ኣኽላባቶም እንተዘይኣኪቦምን ናብ
ዝግብኦ ቦታ እንተዘየብጺሖምን ኣኽላባቶም ናይ ዝዘናግዕሉ ከባቢ መብራህቲ
ዝጠፍእ ብምዃኑ ከይፈተዉ ቀልቀል ኣኽላባቶም ከምዝእክቡ ተጌይሩ ኣሎ፣
እቲ መብራህቲ ካብ ቀልቀል ኣኽላባት ዝርከቡ ባክተርያ ዝወጽእ ‘ሚቴይን’
ዝተባህለ ጋዝ ዝሰርሕ ኮይኑ። “እቲ ወነንቲ ኣኽላባት ቀልቀል ኣኽላባቶም ክእክቡ
ኣለዎም” ዝብል ሓሳባት ካብ መሃንድሳት ዘይኮነ ማተው ማዞቲ ካብ ዝተባህለ
ስነ-ጥበበኛ እዩ ነቒሉ
Subscribe to:
Post Comments (Atom)
No comments:
Post a Comment