ስነ ጽሑፍ ብዝተፋላለየ ኣጋላልጻ ዝግለጽ እካ እንተኮነ ;ምስ ስምዒት ደቂ ሰባት ዝተኣሳሰረ እዩ:: ምናልባት ናይ ስነ ጽሑፍ ክእለትን ኡኩል ብቅዓትን እኳ እንተዘይ ሃለወ ብዝካኣለካ ምፍታን መግለጺ ሓርኮትኮት ማኣዲ ፍልጠት እዩ::
ኢሂ ዳበለት ኮፍኢላ ክተውግዕ
ኣጣልዶ`ታ ምስ ዝብኢ ይበላዓ
ወይ ጊዜ ኣናጹ`ዶ ምስ ደማሙ የውግዓ
ወይ ጉድ ሃመማ ሒዞም ቦታ ንህቢ
ፍርዲ ኣብ ኣድጊ በቅሊ ተዓዛቢ
ደርሆ ዝጻሕተሮ ኮይኑ ተነባቢ
ጣንጡ ካብ ኮነ ዋርዲያ ለይቲ
ቁርዲድ`ውብ ኮነ ሓካሚ ከብቲ
ጫቂት ወዲደርሆ ካብኮነ ባዓልሃብቲ
ንሽላ ገይሩ ወካሊ ሞጋቲ
ወይማዓት ምድረ በዳ ብዉሑጅ ማሲኑ
መርዚ መንደላይ ተመንፈውሲ ኮይኑ
ኣጣል በረካ`ሲ ክግርዛ ኒነብሪ
ሓሰር`ውን ረከበ መጻወቲ ጓህሪ
ጻጸ መሬት ሒዙ ንሓርማዝ ክሕንን
ግመል ኣብ ጉድጓድ ክሕባእ ይደንን
ኣብ መርዓ ዝብኢ ኣጣል ተዓዲመን
ተብተብ ይብላ ሰዓት ከይትኣክለን
ሓላዊ ግራት ዋዓግ ካብኮነ
ዕፉን ንክሕሉ ቅፊዝይዳነ ::
WEY GUD LEKA TIGRINA TIKIEL EKA BA .............ANY WAY IT IS A NICE PEOM IBRAHIM
ReplyDeleteSAM
kkkkkkkkkk grm ember ezia maaz daa sine tibebena konka ane daa kemzi zeymesleni neyu niska
ReplyDeletebzkone ketslelu