Saturday, 4 December 2010

ኣጋጣሚ

እንድዒ? ገረብሲ’ኳ ድሓን ጸሓይ ከይበረቐት ማይ እንተሰተየስ ብርግጽ ጥዕና
ዝህቦ’ዩ፣ ብሓጺሩ ዘጠጥዖ’ዩ፣ ከመይ ኣቢሉ’ዩ ወዲ ሰብ ብንግሆኡ መስተ ሰትዩ
ጥዕና ዝረክብ!? ድንጹ…ው ኢሉኒ፣ ከም ገረብ ማይ ንዝሰቲ እንተድኣዀይኑ
ምናልባት!፣ ብዝዀነ። ሽሕ’ኳ ብግቡእ መልሲ ክህበኒ’ዩ ኢለ እንተዘይተጸበኹ።
ንወዮ ሰኽራም መተዓልልትና ግን ንስለዘረባ ወስ ኣበልኩሉ፣
“ምሽ ኣለካ…ማለትሲ.. ከምዚ…ብዛዕባ እንታይ ኢና’ሞ ክንዛረብ ጸኒሕና!?
እንታይ’የ ክብለኩም ጸኒሔ!?” ዝገደደ ናይ ቅድሚገለ ደቓይቕ ኣርእስቲ ምሉእ
ብምሉእ ረሲዑ። ንሕቶይ ብዘገርም ሕቶ መለሰለይ፣
ክኣምን ኣክኣልኩን፣ “ብሓቂ ብዛዕባ እንታይ ክንዛረብ ጸኒሕና ክትዝክር
ኣይትኽእልን!?” ንምርግጋጽ ደጊመ ተወከስዎ፣
“ኣታ ሰብና…ቁምነገር’የ ዝብለካ!... ዋላ-ዋላ ግርኢሉኒ’ዩ ዘሎ፣ በጃኻ’ባ ንእሽቶ
ኣንክሰኒ…እዋእ…ኣታ ወዲ ድሓን እኮ’የ ነይረ፣ ክፈኩስ ጀሚረ’ለኹ ማለት
እኮ’ዩ!?” ነቲ ናይ ዕላልና ኣርእስቲ ምርስዑ ንዓኡ’ውን ከምዝገረሞ ብምስትንታን
ተዛረበ፣
“ክሳብ ክንድዚ…!? ንግሆ’ዩ ጽቡቕ… ገለ ዶ ክትብል ኣጸናሕካን…” ኢለ
ዘረባይ ከይወዳእኩ።-
  “ኣ..ቲ ወዲ፣ ኣሃ..ኣሃ..ኣሃ.. ሕጂ ኣዘኪርክኒ፣ ንግሆ እብለኩም ቀደም ዓርከይ
ዝነበረት ጓል እረኽበልኩም፣ እንታይ’የ’ሞ ክብለኩም መልክዓን ቅርጻን…ከምቲ
ኣቐዲመ ዝሓከኹኹም (ዝነገርክኹም ማለቱ’ዩ) ዘረባ የብሉን፣ ድሕሪ ኽንደይ
ዓመታት ኢና ተራኺብና…” ቃላት ቁርጽርጽ እናበለ ኣቐዲምና ዘይተዛረብናሉ
ሓድሽ ኣርእስቲ ኣምጽአ፣ ሓቂ-ብሓቂ ኸኣ ማዕረ ኽንደይ መስተ ኣበላሽዩዎ
ምንባሩ ኣስተብሃልና፣ ኣመና ኸኣ ተገረምና፣ ስሓቕና’ውን ክንቆጻጸሮ
ኣይክኣልናን፣ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ኣተሓሳሲቡና፣ እቲ ኣመና ዘደንጹ ግን ኣብ
ከምዚ ኩነታት እንከሎ። ተወሳኺ መስተ ይደሊ ምንባሩ’ዩ፣
ኩነታቱ ክዕዘቡ ዝወዓሉ ሰብ ገዛ። ዓቕሎም ወዲኦም ግዲ ኾይኖም (እዚ’ውን
ተጻዊሮም)። ክኸደሎም ምእንቲ ደፊኦም ደፋፊኦም ካብ ገዛ ከውጽእዎ፤ ንሱ
ድማ “ሕራይ ክወጽእ’የ… ንማማ ዝፋን ግን ዝዛረባ ኣሎኒ” ክብል ሓያል ክርክር
ተኸፍተ፣
መወዳእታኡ ድማ። ኣደይ ዝፋን ክሳብ ካንቸሎ ዝወጽእ ከፋንዋኦ’ሞ። ሓውና
ኸኣ ብሰላሙ ካብ ገዛ ክወጽእ ኣብ ስምምዕ ተበጽሐ፣ ኣደይ ዝፋን ተጸውዓ።
ዓርክና ከኣ ዘረባኡ ቀጸለ።-
“ኣደይ ዝፋን። ኣነ እዚ ገዛ’ዚ ገዛይ’ዩ፣ ዓመታዊ ኸኣ እበጽሓክን’የ፣ ኣዝየ
ተሓጒሰ ክብረት ይሃበለይ….ኣደይ ዝፋን …  የቐንየለይ፣ ከምዚ ክብል
ከሉኹ ግን….ጓና ስለዘይኰንኩ’የ ትሕዝቶ ሒዘ ዘይመጻእኩ፣ ትቕየማለይ ኸኣ
ኣይመስለንን፣ ንዓኽን ግን ብፍሉይ ስለዝፈትወክን ንቡንክን ዝኸውን እዚኣተን
መዲበየን’የ እሞ በጃኽን ተቐበላኒ” ብምባል ተኸዲነናኦ ኣብ ዝነበራ ጁባ ናይ
በጃ-ክዳን (ግሪምብያለ) ገለ ገንዘብ ብምእታው ሰንከልከል እናበለ ተፋነወና፣
እቲ ነደይ ዝፋን “ንቡንክን” ኢሉ ኣብ ጁባኣን ዘእተወለን ገንዘብ ክልተ
ናቕፋን ሰብዓን ሓሙሽተን ሳንቲምን ምንባሩ ምስ ሰማዕና ብተግባራቱ ኣመና
ሰሓቕና፣ ወይ… ዕላል ሰኽራማት ክጥዕም! ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ። “ንግሆ መስተ
ዝጀመረ…” ከመይ ከመይ ከምዝኸውን ኸኣ ብግህዶ ምስክር ኮነና፣ እዝስ ምስ
ምንታይ ይቝጸር!? “ብደውካ ሞት!” ይብላ ኣደይ ጽርሃ - ብደውካ ሞት’ዩ፣
“መለበሚ ኣይኽላእካን። መለበሚ ኣይግበርካን” ከኣ ዝብልኹም ከምዚ እዩ፣

No comments:

Post a Comment