ገዚፍ ኣፍንጫዘለኩም
ኣፍንጫኹም ኣዝዩ ገዚፍ ካብ ምዃን ዝተበገሰ ዘኽፍኣልኩም ኰይኑ ዝስምዓኩም እንተድኣዀይኑ። ተጋጊኹም፣ ብኣንጻሩ ብሓጐስ ክትሰራሰሩ እዩ ዝግብኣኩም፣ ምኽንያቱ። ናይ ገዛእ ርእስኹም ኣዘዝቲ ምዃን ኢኹም እትብህጉ፣ ቀንጠመንጢ ስራሓት ምስራሕ ኣመና’ዩ ዘሰልክየኩም - ዓበይቲ ኣበርክቶታት ምግባር እዩ እቲ እትመርጽዎ፣ ካብ’ዚ ዝብገስ ድማ ብደረጃ ዝልዓለ ሓላፍነት እንተዘይኰይኑ ከም ካልእ ብዝሕ ዝበለ ሰብ ኣብ ዝዀነ ስራሕ ዳርጋ ኣይትሰርሑን ኢኹም፣ እዚ ድማ ተመራጺ ባህሪ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎ፣
ንእሽቶ ኣፍንጫ ዘለኩም
ንእሽቶ ኣፍንጫ ዘለኩም ሰባት። ንተደጋጋምን ኣሰልካዪን ስራሕ ከመይ ጌርኩም ከም እትቆጻጸርዎ ኣይትጽገሙን ኢኹም፣ ብዙሕ ግዜ። ከምዚ ዓይነት ኣፍንጫ ዘለኩም ኣብ “ሰክረታሪ” ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ስርሓት ኢኹም እትዋፈሩ፣ ዝተዋህበትኩም ትእዛዝ ከምዘለዋ ምትግባር እቲ ፍሉይ መለለይኹም እዩ፣ ብተወሳኺ። ካልእ ሰብ ከይትሃስዩ ብምባል እቲ ዝኸፍአ ሓሶት
ካብ ምሕሳው ኣይትቁጠቡን ኢኹም፣
ጠፍናቕ ኣፍንጫ ዘለኩም
ጠፍናቕ ኣፍንጫ ዘለኩም ሰባት ድማ ብባህርይኹም ካልኦት ሰባት ናይ ምሕጋዝ ዝንባለ እትውንኑ ኢኹም፣ ካብዚ ዝብገስ ከምዚ ዓይነት ኣፍንጫ እትውንኑ። መብዛሕትኡ ግዜ “ግብረ- ሰናይ” ተባሂለን ኣብ ዝጥቀሳ ትካላት ኢኹም እትሰርሑ፣ ከም ጸገም ዝጥቀስ ባህርይኹም ሓደ። ኣመና ሓገዝቲ ካብ ምዃንኩም ዝብገስ ብኻልኦት ሰባት ብቐሊሉ ተመዝመዝቲ ምዃንኩም እዩ፣
ለዋይ ኣፍንጫ ዘለኩም
ከም’ዚ ዓይነት ኣፍንጫ ዘለኩም ሰባት። ሽሕ’ኳ ባህርኹም ምስቶም ገዚፍ ኣፍንጫኦም ዝመሳሰል እንተዀነ። ናታትኩም ግና ኣዝዩዝተጋነነ እዩ፣ ሰባት ምሳኹም ክሰርሑ ወይ ክትዓራረኹ እንተድኣዀይኖም ድማ። መጀመርታ ከምዘኽብሩኹምን
ኣገደስቲ ምዃንኩም ከምዝኣምኑንን ከተረጋግጹ ጥራይ ኣለኩም፣ከቢብ ኣፍንጫዘለኩም
ጫፍ ኣፍንጫኹም ከቢብ ምስዝኸውንከኣ።ኣብዘይምልከተኩም ጉዳይ ምእታው ዝብርሃኩም ወጣማት ምዃንኩም ይእመን፣ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ክትፈልጡ እትብህጉ ዓይነት ሰባት ኢኹም፣ ምስ ካልኦት ሰባት ተረዳዲእኹም ክትነብሩ እንተድኣ ዀይንኩም ድማ ዝዀነ ሓበሬታ ከምዝተሓብአ ኰይኑ ክስማዓኹም የብሉን፣ ይበሃል ሓቅነት ተሃልይዎ`ሲ::
No comments:
Post a Comment