ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ፈጣሪ ንብዕራይ ፈጠረ ብኹለንተናኡ ብዝዓገበ ከኣ ናብ መሬት ቅድሚ ምስዳዱ ከምዚ ክብል ተዛረቦ፣ ’ንስኻ ሎሚ ዝዓየኹኻ ፍጡረይ ኢኻ፣ ከም ብዕራይ ኴንካ ከኣ ኣብ ግራት። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ። ምሉእ መዓልቲ ክትሰርሕ ክትውዕል ኢኻ፣ ዕድመኻ ሓምሳ ዓመት ክኸውን’ዩ’’ ብዕራይ ግን ፈጣሪ ንዝበሎ ስለ ዘይዓገበሉ ካብ ልቢ ሓዘነ፣ ናብ ፈጣሪ ገጹ እናጠመተ ከኣ። ‘’ኦ ጎይታ። ንኸምዚ ዓይነት ዘይምቹእ ናብራ ስለምንታይ ሓምሳ ዓመት ክነብር ተመኒኻለይ? ፍቓድካ እንተኾይኑ ዕስራ ዓመት ብኸምዚ ዝበልካኒ ክኸይድ’የ፣ እተን ሳላሳ ዓመት ግን ስለ ዘየድልያኒ ይትረፋኒ፣’’ በለ፣ ፈጣሪ ከኣ ምስ ሓሳቡ ተሰማምዐ፣ ካልኣይ መዓልቲ ብዝኾነ ፈጣሪ ንህበይ ሰየመ፣ ብኹሉ ወገና ብዝዓገበ ከኣ ከምዚ ክብል ተዛረባ፣ ‘’ንመሬት ምኻድኪ ንሓደ ዕላማ’ዩ፣ ንሱ ከኣ ንደቂ ሰባት ምስሓብን ብባህሪኺ ከም ዝስሕቁ ምግባርን’ዩ::
ከተስሕቕዮምን ከተዘናግዕዮምን’የ ዝሰደኪ ዘለኹ፣ ዕድመኺ ከኣ 20 ዓመት ክኸውን’ዩ፣’’ ህበይ ንዘረባ ፈጣሪ ብዝሰምዐት ገጻ ብኹራ መልአ፣ ንሳ’ውን ናብ ገጽ ፈጣሪ እናተመልከተት ከምዚ ክትብል ተዛረበት፣ ‘’ ንሰባት ምዝንጋዕ ጥራይ ዝኸውን ህይወት ኣዝዩ ኣሰልቻውን ኣድካምን’ዩ፣ ፍቓድካ ካብ ኮነ ግን እተን ዓሰርተ ዓመት ተጸሚመ ክነብረን’የ፣ እተን ዝተረፋ ዓሰርተ ዓመት ግና ድላየይ ኣይኮናን፣’’ በለቶ፣ ፈጣሪ ምስ ሓሳብ ህበይ ተሰማምዐ፣ ሳልሰይቲ መዓልቲ ብዝኾነ ፈጣሪ ንኸልቢ ፈጠሮሞ ከምዚ ከኣ በሎ፣ ‘’ንስኻ ናይ ሳልሰይቲ መዓልቲ ፍጡረይ ኢኻ፣ ስራሕካ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ኮፍ ኢልካ ምውዓል’ዩ፣ ናብ ገዛ ጎይቶትካ ንዝኣተወ ብምንባሕ ክትክልክሎን ክትግስጾን ይእዝዘካ ኣለኹ፣ ዕድመኻ 20 ዓመት ክኸውን’ዩ::
ፈጣሪ ዘረብኡ ብዝዛዘመ ኣብ ገጽ ከልቢ’ውን ሕርቃን ክሰፍን ረኣየ፣ ከልቢ ድማ ከምዚ ብምባል ክዛረብ ጀመረ፣ ‘’ኦ ፈጣሪ! ኣብ ኣፍደገ ቤት ኮፍ ኢለ ክውዕልን ጊላ ወዲ ሰብ ኮይነ ክነብርን ዕስራ ዓመት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ፣ ስለዚ እተን ዓሰረተ ዓመት ከም ፍቓድካ ክነብረን’የ፣ እተን ዓሰርተ ግን ክመልሰልካ ይሕሸኒ፣’’ ፈጣሪ። ንኸልቢ ብዓይኒ ርህራሀ ጠሚቱ። ‘’ከም ድላይካ ይኹን፣ ኪድ ንመሬት ብጻሕ። ዕድመኻ ከኣ ዓሰርተ ዓመት ይኹን፣’’ በለ፣ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ፈጣሪ ካብ መዳቕሶኡ ተንስአ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ነቲ ብምሉእ ልቡ ዝተመንዮ ሰብ ፈጠሮ፣ ከምዚ ከኣ በሎ። ‘’ንስኻ ናይ መወዳእታ ፍጡረይ ኢኻ፣ ኣብሊጸ ስለ ዝፈትወካ ከኣ ስራሕካ ከምዚ ክኸውን እዩ፣ እኹል መግቢ። መስተን ድቃስን እናረኸብካ ህይወትካ ኣዝዩ ባህ ዘብል ክኸውን’ዩ፣ ብዘይካ እዚ ዝተባሃልካዮ ካልእ ዕዮ ኣይክህልወካን’ዩ፣ ንስኻ እቲ እንኮምቾት ከሕልፍ ዝተፈጥረ ፍጡረይ ኢኻ፣ ዕድመኻ ዕስራ ዓመት ክኸውን እዩ፣’’ ብምባል ፈጣሪዕዮኡን ዘረባኡን ዛዘመ፣ ወዲ ሰብ ግን ነዚ ብዝሰምዐ ካብቶም ቀዳሞት ብዘይፍለ ኣብ ገጹ ጓሂ ዓሰለ፣ ከምዚ ክብል ከኣ ናብ ፈጣሪ ጠርዐ፣ ‘’ፈጣሪ።
ባህ ዘብል ህያብ ህይወት ሂብካኒ ኢኻ፣ ክበልዕ። ክሰቲ ክጻወት። ክድቅስን ነገራት ከኣ ከም ቃሕታይ ክምርምርን እምብዛ ባህ ዘብል ናብራ’ዩ፣ ዕስራ ዓመታት ግና ኣዝየን ውሒደናኒ፣ ፍቓድካ እንተኾይኑ ብዕራይ ዝተሓሰሞ ሳላሳ ዓመት።ህበይ ዘይደለየቶ ዓሰርተ ዓመት። ከልቢ’ውን ዝመለሶ ዓሰርተ ዓመት ናተይ ክኸውን ፍቐደለይ?’’ፈጣሪ ንልመና ሰብ ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ ብተግባር ወዲ ሰብ እናተገረመ። ‘’ወደይ ከም ፍቓድካ ይኹን፣ ዕድመኻ ካብ ዕስራ ናብ ሰብዓ ይደይብ፣’’ ብምባል ተዛሪቡ ካብ ገጽ ወዲ ሰብ ተኸወለ፣ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ። ካብ’ታ ዝተወለድናላ ዓመት። ናይ ፈጣሪ ህያብናዝኾናዕስራዓመትክንጻወተለን። ክንበልዓለንን ክንድቅሰለንን እምበር ካልእ ስራሕ ክንፍጽመለን ዘይንርአ፣ ስዒበን ዝመጻና እተን ካብ ብዕራይ ዝተለቃሕናየን ዕድመ’የን፣ እዘን ዕድመ እዚአን ድሕሪ እተን ምቁራት ዕስራ ዓመታት ዝመጻ ኮይነን ሳላሳ ዓመታት’የን፣ እዘንዕድመ እዚአን ዕድመ ከርተት።
ጻሓይ ይኹን ቁሪ ተጻዊርና ሃለኽለኽ ክንብል። ጾር ስድራና ተቐቢልና እንኣልየለንን እነገልግለለንን ጻዕሪዝሓታና ዓመታት’የን፣ ድሕሪ እዘን ዕድመ እዚአን ዝመጻ እተን ካብ ህበይ ዝወሰድናየን ዓሰርተ ዓመት’የን፣ ንሳተን ዕድመና ካብ ሓምሳታት ናብ ስሳታት እንኣትወለን ኮይነን። ነቶም ዝንኣሱ ደቅናን ደቂ ደቅናን ብጽውጽዋያት እነዛናግዓሉለን ዕድመ’የን ቀጺለ ንዝመጻ እተን ኣብ መወዳእታ ካብ ከልቢ ዝረኸብናየን ዓሰርተ ዓመት’የን፣ እዘን ዕድመ እዚአን ብዘይካ ኣብ ኣፍደገ ቤት ኮፍ ኢልካ ገዛ ምሕላውን ምስ ሰባት ምንጽርጻርን ካልእ ዝህልወና ስራሕ ኣይህሉን፣ ድሕሪ እዘን ናይ መወዳእታ ዕድመ ዝተርፈና እንተሃልዩ ነተን ዝነበራና ዕድመ ዛዚምና ንሓዋሩ መዕቈቢና እንሕዘሉ ዕድመ’የን ኢሎም ንብለኩም::
No comments:
Post a Comment